ባ. ጸጥታ፣ ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ሊብያውያንን ማዕቀብ ከሕልፍ’ዩ

ባ. ጸጥታ፣ ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ሊብያውያንን ማዕቀብ ከሕልፍ’ዩ

Radio Erena: 27 May 2018

eri libyaባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰብ ክነጥፉ ጸኒሖም ዝበሎም ክልተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ሊብያውያንን ማዕቀብ ከሕልፍ ኣብ ምድላው ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ብነዘርላንድስ ዝቐረበ እማመ ኩለን ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ክድግፎኦ እንከለዋ ሩስያ ግና ተወሳኺ መብርሂ ብምሕታት ኣደናጉያቶ ከምዘላ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ኣቃሊሑ።

ብፍላይ’ቶም ኤርሚያስ ግርማይን ፍትዊ ዓብደልረዛቕን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ካብ ሱዳን – ሊብያ ከምኡ’ውን ሊብያ – ኤውሮጳ ኣብ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቅሰብ ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ’ሎ።

ኤርሚያስ ግርማይ መራሒ ናይቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ዘሰጋገረ መርበብ ኣሰጋገርቲ ምዃኑ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ንጸብጻብ ባይቶ ጸጥታ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኤርትራዊ ፍትዊ ዓብደልረዛቕን ሊብያውያን ኣሕመድ ዑመር ኣልዳባሺ፣ ሙሳብ ኣቡቐሪን፣ መሓመድ ካችላፍን፣ ዓብደል ራሕማን ኣልሚላድን ከኣ ቀንዲ መሓውር ናይቲ ካብ ከተማታት ሱዳን ክሳብ ሃገራት ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ ኣሰጋገርቲ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ሊብያዊ ዓብደል ራሕማን ኣልሚላድ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ክሊ ማያት ሊብያ ናይ ስደተኛታት ጀላቡ ተኹሲ ብምኽፋት ከምዝጥሕሉን ብህይወት ዝወጹ ከኣ ናብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝቕይድ ኣሃዱ ባሕሪያ እዩ።

ከምዝፍለጥ እዚ ስደተኛታት ኣብ ክሊ ማያት ሊብያ እንከለዉ ናይ ምግታእ ፕሮጀክት ብሕብረት ኤውሮጳ ዝምወል እዩ።

ኤርሚያስ ግርማይን ፍትዊ ዓብደልረዛቕን፣ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ ኤርትራውያን ወደብትን ጠርነፍትን እቲ ጉዕዞ ምንባሮም ባይቶ ጸጥታ ይገልጽ።

ሩስያ፣ ጉዳይ ስደትን ስደተኛታትን ፍርቂ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝፍታሕ ኣይኮነን ክትብል’ያ ተወሳኺ መብርሂ ትሓትት ዘላ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0