ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 May 2018

beshir alፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፣ ብኣንጻር’ቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጾ ዘሎ ጸቕጢ፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊቱ ከምዘይስሕብ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ምኽትል ሚኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ዘሎ ቅልውላው ፈቲሓ ሰላምን ጸጥታን ክሳብ እተስፍን፣ ሱዳን ኣብ ጎድና ደው ኢላ ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ኣብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ካብ ሑቲ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላቱ ከሲሩ’ዩ።

ንዕኡ ስዒቡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ ድሕሪ ዘካየዶ ገምጋም፣ ሰራዊት ሱዳን ካብ የመን ጠቕሊሉ ክወጽእ ዝሓሸ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓሊ ሳልም፣ ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ የመን ምውፋሩ ንረብሓ ሱዳን ከምዘይኮነ ኣብቲ እዋን’ቲ ምግላጹ ይዝከር።

እንተኾነ ፕረዚደንት ኣልበሽር ምስ ስዑድያዊ በዓል ስልጣን ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ፣ እቲ 3 ሽሕ ዝቑጽሩ ኣብ የመን ዘሎ ሰራዊቱ፣ ሕጂ’ውን ምስ ሑቲ ኣብ ዝግበር ኲናት ክሳብ መጨረሽታ ክጸንሕ ምዃዩ’ዩ ገሊጹ።

============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0