ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ክትግበር ወሲኑ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ክትግበር ወሲኑ

Radio Erena: 05 March 2015

UNSC on sous

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ንምግባር ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ባይቶ ብሰሉስ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ክንበር ዝብል ሓሳብ ብምሉእ ድምጺ እኳ እንተደገፎ፣ ኣብ ኣተገባብርኡ ግና ክውስን ኣይክኣለን።

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም “ኣብ ደቡብ ሱዳን ጠንቒ ሁከት ኮይኖም ኣለዉ” ዝበሎም ሰበ ስልጣን መንግስትን ተቓወምትን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ንብረቶም ክድስክልን ናይ ምንቕስቓስ እገዳ ክግበረሎምን ዝብል ሓሳብ’ዩ ዝልዓለ ትኹረት ሂብዎ ዘሎ።

 

ይኹን’ምበር፣ እቲ እገዳ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣንን መራሕቲ ተቓወምቲን ንምንጻርን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ክሳብ እቲ ኣብ 1 ለካቲት ካካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰልም ኢጋድ፣ ዝኾነ ግብራውነት ዘይብሉ ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።

እዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ዘሕለፎ ዘይንጹር ውሳኔ፣ ነቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ሰላም ኣንፈት ዘየርኣዩ ሰበ ስልጣን መንግስትን መራሕቲ ተቓወምትን ቅድመ-ምፍርራሕ ብምክያድ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክበጽሑ ንምድፍፋእ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ሓደ ሓደ ተንተንቲ ፖለቲካ ሱዳን፣ እዚ ባይቲ ጸጥታ ኣሕሊፍዎ ዘሎ እገዳ፣ ነቶም ክሰማምዑ ዘይክኣሉ ረዚደንት ሳል ቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚ ሬክ ማሻርን ናብ ስምምዕ ንኽበጽሑ እወታዊ ድፍኢት ክህልዎ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ድማ በንጻሩ ኣብታ ሃገር ዝበኣሰ ሳዕቤን ከከትል’ዩ ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ።

ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ምክትሉ ዝነበረ ሬክ ማሻርን ብዝተፈጥረ ምስህሓብ ዝተወሎአ ግጭት፣ ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ብመንጎኝነት ኢጋድ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ናይ ሰላም ጻዕርታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ እወታዊ ፍረ ክርከቦ ኣይከኣለን።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓደሰት ሃገር ደቡብ ሱዳን፣ ብሰኒ እዚ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ግጭት፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህወይት ኣውሪድዎ ዘሎ ዓቢ ክሳራ፣ ካብ ነዳዲን ካልእ ወፍርታትን ክትረኽቦ ዝግብኣ ዝነበረ ቢልዮናራት ዶላራት ከምዝኸሰረት ጸብጻባት የመልክቱ።

=============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0