ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ሓደ ሓደ ኣባላት ማሕበረ ኮም ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ መስሪቶም

ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ሓደ ሓደ ኣባላት ማሕበረ ኮም ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ መስሪቶም

Radio Erena: 05 March 2015

UKpar Er

ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ዜጋታት ዘይሕጋዊ ክልተ ካብ ሚእቲ ምእካብ ይቕጽሎ ብምህላዉ፣ ሓደ ሓደ ኣባላት ማሕበረ ኮም ኤርትራ ክሲ መስሪቶም።

እቶም ኤርትራውያን ነዚ ክሲ ዘቕርቡ ዘለዉ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ለካቲት 2014 ኣብ ፓርላማ ብሪጣንያ ብመልክዕ ሕቶን መልስን ብዝቐረበ ውሳነ መሰረት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ግብሪ ክእክብ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ኣነጺሩ’ዩ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ከምእተኽብር ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ዘይሕጋዊ ግብሪ ደው ከብሎ ነቲ ኤምባሲ ከምዝሓበረ’ዩ ዘመልክት።

 

ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ’ውን ዌስት ዮርክሻየር ፖሊስን ኣባላት ትካል ሃገራዊ መርመራ ገበንን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብምዝርራብ፣ እቲ ኤምባሲ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ግብሪ ምእካብ ይቕጽሎ እንተሃልዩ ብመርትዖ ኣሰንዮም ክሲ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ምሕባሩ’ውን ጸብጻብ ዘተ ፓርላማ ብሪጣንያ የረድእ። 

እንተኾነ ሕጂ እቲ ኤምባሲ ብዝተፈላለየ መልክዓት ምእካብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ይቕጽሎ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብተደጋጋሚ እዋን ክዝርጋሕ ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ እዞም ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመርትዖ ዝተሰነየ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሲ መስሪቶም ዘለዉ።

እቶም ኤርትራውያን መርትዖታቶም ብምስናይ’ዮም ብ3 መጋቢት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዌስት ኤንድ ዝርከብ ማእከላ መደበር ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ክስታቶም ኣቕሪቦም ዘለዉ።

ሓንቲ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሰላም ኪዳነ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪታ ንሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ተወሳኺ መብርሂ ነቲ ብመርትዖ ዘሰነይዎ ክሲ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምቕራቦም፣ ፖሊስ’ውን ነቲ ክሲ ናብ ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ሃገር (Home Office) ናብ ፓርላማን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከምዘመሓላለፎ ኣረጋጊጻ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0