ርእሰ ከተማ የመን፣ ናብ ዓደን ክሰጋገር ከምዝኽእል ተሓቢሩ

ርእሰ ከተማ የመን፣ ናብ ዓደን ክሰጋገር ከምዝኽእል ተሓቢሩ

Radio Erena: 05 March 2015

yemAde

ርእሰ ከተማ የመን ናብ ዓደን ክትሰጋገር ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ሰንዓ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝነበረ ፕረዚደንት የመን ዓብደሮቦ መንሱር ሓዲ፣ ናብ ዓደን ድሕሪ ምግዕዙ፣ ኣብታ ከተማ ማእከላይ መንግስቲ ከቕውምን ዓደን ድማ ርእሰ ከተማ ክትከውንን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ድፍኢት ይግበር ምህላዉ ማዕከናት ዜና ምእከላይ ምብራቕ የመልክታ።

እቲ ፕረዚደንት ዋላ’ውን ብጎነጽ ካብ ቤት መንግስቲ እንተወጸን መንግስቲ እታ ሃገር ድማ እንተፈረሰን፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሕጋዊ መራሕቲ እታ ሃገር ምዃኑ እኳ እንተረጋገጸ፣ ኣብ ዓደን ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ግና ዛጊት ኣይሓበረን።

 

ናብ ስዑዲ ዓረብ ግዒዙ ዝርከብ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ የመን ዝርከብዎም ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ምዕራብ’ውን ንፕረዚደንት ሓዲ ናብታ ከተማ እናመጹ ይረኽብዎ ብምህላዎም፣ ሓድሽ ፖለቲካዊ ለውጢ እንተዘይመጺኡ ዓደን ርእሰ ከተማ የመን ምዃና ዘይተርፍ’ዩ ምዃኑ’ዩ ዝግመት።

እንተኾነ ኣመሪካ ኤምባሲኣ ናብ ዓደን ንምግዓዝ መደብ ከምዘይብላ ኣረጋጊጻ ኣላ።

መንበረ መንግስቲ የመን ዝነበረ ከተማ ሰንዓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ሑቲ ድሕሪ ምውዳቓ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

የመን ኣብዚ እዋንዚ ማእከላይ መንግስቲ የብላን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብምምዛዝን ካቢነ ሚንስተራት ብምቛም ኣብ ዓደን ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ምድፍፋእ ዝግበረሉ ዘሎ ፕረዚደንት ሓዲ ብወገኑ፣ ምስቶም ንሰንዓ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቓወምቲ ሑቲን ካልኦት ጽልዋ ዘለዎም ተቓወምትን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብኣካል ብምርኻብ ክዛተ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብዘይዝኾነ ስምምዕ ኣብ ዓደን ሓድሽ መንግስቲ እንተቆይሙ፣ ኣብ መንጎ ሰንዓን ዓደንን ዝበኣሰ ኵናት ክቕጽል ከምዝክእል’ውን ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ከባቢ የጠንቕቑ።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0