ባይቶ ጸጥታ፣ ጸብጻብ ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ክሰምዕ’ዩ

ባይቶ ጸጥታ፣ ጸብጻብ ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ክሰምዕ’ዩ

Radio Erena: 24 July 2017

Umarov

ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራን ኣምባሳደር ካይራት ኡማሮቭ ሎሚ ሰኑይ 24 ሓምለ ናብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከቕርብ’ዩ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ናይቲ ብ751/1907 ዝፍለጥ እገዳ ሶማልን ኤርትራን፣ ነቲ ካብ ሚያዝያ ክሳብ እዛ ንዛዝማ ዘሎና ወርሒ ሓምለ፣ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻቡ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፣ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ሶማልን ርክብ ኣለዎ ዝብል ብተቖጻጻሪት ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን ዝቐረበ ክስታት ተወሳኺ ሓበሬታን መብርሂን ክህብ’ዩ።

ጅቡትን ኢትዮጵያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ናብ ሶማል ኣጽዋር የሰጋግርን ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ይተሓባበርን ኣሎ ዝብል ክሲ ናብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሶማልን ኤርትራን እቋ እንተቕረባ፣ ብመርትዕታት ከሰንይኦ ከምዘይክኣላ’ዩ ዝግለጽ።

ኣምባሳደር ካይራት ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ምስ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዘካይዶ ርክብ፣ ብዛዕባ’ቲ ንኤርትራ ናብ ካልኣይ እገዳ ዘውደቕ ምስ ጅቡቲ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ መድረኽብ ብዝምልከት’ውን ክዝቲ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ይጠቕስ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ሶማልን ኤርትራ ከምኡ ድማ ቀዋሚ ወኪል ካዛኪስታን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ኣምባሳደር ካይራት ኡማሮቭ ብዛኦባ’ቲ ብተቖጻጻሪት ጉጅለ ዝቐረበ ክስታት ንምምይያጥ ናብ ኤርትራ ከምርሕ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ዑደት ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግሮ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣቦ መንበር ስለዝሓበሮ፣ ተልእኾኡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዘይክኣለን፣ እቲ መንግስቲ ምስ ኮሚተ እገዳ ምትሕብባር ዘደናጉየሉ ዘሎ ምኽንያትን ብዝምልከት ኣብቲ ሎሚ ዝቐረብ ጸብጻብ ብዝርዝር ክጥቀስ ትጽቢት ይግበር።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0