ቻይና፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ቅርብቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ

ቻይና፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ቅርብቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 24 July 2017

China Amb to AU

ቻይና፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ቅርብቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኩዋንግ ዌይሊን፣ ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሃገሩ ነዚ ሓሳብ ከምዘቕረበት ኣረጋጊጹ።

ቻይና፣ ናብቲ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር ዝነበሮ ከባቢት ዱሜራ፣ ሰራዊታ ክትልእኽ ዝብል ጠለብ እንተቐሪቡ፣ መንግስቲ ሃገሩ ክትሓስበሉ ከምዝክእል ኣተንቢሁ።

ቀጠር፣ ንመስርሕ ሽምግልናን ዕርቂን ኤርትራን ጅቡትን ብምቁራጽ፣ ካብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ዱሜራ ተዓዛቢ ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ነቲ ሽምግልና ዝተክአ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ወገን የለን።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ተበግሶ ብምውሳድ ናብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ተዓዛቢ ጉጅለ ክልእኽ ዘቕረቦ እማመ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋገር ስለዝሓተተ፣ ዛጊት ኣብቲ ዶብ ዘሎ ኩነታት ክፍለጥ ኣይክኣለን።

ድሕሪ ምስሓብ ተዓዛቢ ሰራዊት ቀጠር፣ እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ብሰራዊት ኤርትራ ተታሕዙ ክብል፣ መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ባይቶ ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕጋዊ ጥርዓንከምዘቕረበ ኣይርሳዕን።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0