ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መርመራ ክግበር ዳግማይ ጸዊዑ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መርመራ ክግበር ዳግማይ ጸዊዑ

hrcኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነቲ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካየዱዎ ገበን መርመራ ክግበረሉ፣ ዳግማይ ጸዊዑ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ጀነቫ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ናጻ ጉጅለ ቆይሙ፣ ኣብቲ ገበን ተፈጺሙሉ ዝበሃል ዞባታት ኢትዮጵያ ብምእታው መርመራ ከካይድ እውን ጸዊዑ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጻውዒት ብምንጻግ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ መርመራ ክገብር ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቑሞ ናጻ ጉጅለ ከምዝተቐበሎ ይሕብር። እንተኾነ ዕማም’ቲ ጉጅለ፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2015 ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ተኻዪዱ ዝበሃል ገበናት ክምርምር ከምዝግባእ፣ ኣፈኛ’ቲ ባይቶ ራቪና ሻምዳሳኒ ገሊጻ።

ንሳ ብተወሳኺ እቲ መርማሪ ኣካል፣ ምሉእ ብምሉእ ናጻ፣ ግሉጽን ኣድማዒን ክኸውን፣ ነቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ምምርማር ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ዘምጽእ ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ።

ኣፈኛ ራቪና ኣብ መግለጺኣ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ዝምርምር ኣካል ኣህጉራዊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝጠልቦ መምዘኒታት ዘማለአ እንተኾይኑ፣ ምሉእ ደገፍ ከምዝገብረሉ ኣፍሊጣ። እንተኾነ እቲ ማእሰርቲ፣ ምፍርራህን ካብ ጎደናታት ግፋን ተኻዪዱሉ ዝበሃል ዞባታት ኢትዮጵያ ብኣህጉራውያን ኣካላት ክብጻሕ ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊን ደሞክራስያዊን ለውጥታት ክገብር፣ ከምኡ’ውን ኣብ ትካላት ጸጥታ፣ ፈጻሚ ኣካልን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ጽገናዊ ለውጢ ከካይድ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ይጽውዕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0