ኣመሪካን 6 ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ጉዳይ ደ/ሱዳን ዘትየን

ኣመሪካን 6 ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ጉዳይ ደ/ሱዳን ዘትየን

mmacharቅልውላው ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘተ ኣካዪዳ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ጆን ኬሪ ብሰኑይ 22 ነሓሰ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፣ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዩጋንዳን ሱዳንን ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዱ።

 

ኣብቲ ዘተ ዝዓበየ ዛዕባ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 4 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ኣብ ከተማ ጁባ ከዋፍር ዝብል ከምዝነበረ፣ ካብ ናይሮቢ ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

ነዚ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ዘይተቐበሎ ወገን፣ ናብ ሰበስልጣን ዝቐንዐ ማዕቀብ ክግበረሉ ምዃኑ ሃገራት ምዕራብ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተጠንቀቓ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ገና መልሲ ኣይሃበሉን።

ወሃብ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ 12 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሳኺ ሰራዊት ምልኣኽ፣ ኣብ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ኢድ ምእታው ከምዝኾነ ገሊጹ። ንውሳኔ ብዝምልከት ከኣ ንባይቶ’ታ ሃገር ከምዝግደፍ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም፣ ንመራሒ ተቓወምቲ ሪክ ማቻር ናብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ከምዘውጸኦ ይዝከር።
ኣህጉራዊ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሆቴል ዝተቐትለ ጋዜጠኛ፣ ዝተዓመጻ ሰራሕተኛታት’ቲ ሆቴል፣ ከምኡ’ውን ዝተረሸኑ ሰላማውያን ሰባት ዘጠቓለለ 34 ጉዳያት መዝጊቡ ከምዘሎ፣ ነዚ ጉዳያት’ዚ ከኣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብቲ ምስ’ዘን ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብሮ ርክብ ክዝትየሉ ይጽውዕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0