ዚምባብወ ብሓድሽ ማዕበል ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ተጠቒዓ

zimbaዚምባብወ ብሓድሽ ማዕበል ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው ተጠቒዓ ከምዘላ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነታ ሃገር ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ዚምባብወ ውድቕቲ ሃገር ክትከውን ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሓ ከምዘላ ገምጊሙ።

 

ንፕረዚደንት ሙጋቤ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ንናጽነት’ታ ሃገር ዝተቓለሱ ገዳይም ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብዚ ሒደት ሳምንታት ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ውሳኔታት ሙጋቤ ዘለዎም ዘይዕጋበት ብግልጺ ክዛረቡ ምጅማሮም ጥራይ ከይኣክል፣ ሓድ ሓደ ካብኣቶም’ውን ገዲፎሞ ይወጹ ከምዘለዉ’ዩ ዝንገር።

እቶም ንናይ ሙጋቤ ዛኑ ፒ.ኤፍ. ፓርቲ ገዲፎም ዝወጹ ዘለዉ ጸለውቲ ምዃኖም ዝንገረሎም ሰባት፣ ምስቲ 13 ፖለቲካውያን ውድባት ብምጥርናፍ ልፍንቲ መስሪቱ ዘሎ ተቓዋሚ ሓይሊ ይጽምበሩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዚምባብወ እውን ምስዚ ሓድሽ ብልፍንቲ ቆይሙ ዘሎ ውድብ ይጽምበሩ ከምዘለዉ፣ እዚ ድማ ንዓመታት ተሰቲሩ ዝጸንሐ ምስጢራት ፕረዚደንት ሙጋቤ ከቃልዕ ኣፍደገ ዝኸፍት ብምዃኑ ነታ ሃገር ኣብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሸሚሙዋ ይርከብ።

ሕብረት ኤውሮጳ ንዚምባብወ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ነታ ሃገር ዝልግሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ መንግስቲ ዚምባብወ ንሰራሕተኛታቱ’ውን ደሞዝ ክኸፍል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ወዲቑ ከምዘሎ’ዩ ገምጊሙ።

ብማሕበራዊ መራኸቢታት እንዳተወዳደበ ንኣሽቱ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይድ ዝጸንሐ ህዝቢ ዚምባብወ፣ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ረጽሚ እዩ ክኣቱ ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ንዓርቢ ዕለት 26 ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ተቓወምቲ ሓይልታት ይጉስጉሱ ከምዘለዉ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0