ባይቶኣዊ ምርጫ ሶማል ዝካየደሉ ዕለት ብወግዒ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 July 2021

ባይቶኣዊ ምርጫ ሶማል ዝካየደሉ ዕለት ብወግዒ ተገሊጹ።
ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ፣ ኣስማት ሕጹያት ተወዳደርቲ ንባይቶ ኣብ 24 ሓምለ ክግለጽ እዩ። ላዕለዎት ኣባላት ባይቶ ኣብ 25ን 28ን ሓምለ ክምረጹ እዮም።
22 ወናብር ካብ ላዕለዋይ ባይቶ ንወከልቲ ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ተሓዚኡ ኣሎ። ሓፈሻዊ ምርጫ ታሕተዋይ ባይቶ ከኣ ኣብ 12 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ።
ብኻልእ ወገን ኣልሸባብ ተቖጻጺሩዋ ዝጸንሐ ኣብ ማእከላይ ሶማል እትርከብ ከተማ ባድወይን፣ ብሰራዊት መንግስቲ ከምዝተመንዘዐት፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ኣልሸባብ፣ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ እዩ ነታ ከተማ ተቖጻጺሩዋ ጸኒሑ። ነቲ መጥቃዕቲ ክምክቶ ዘይከኣለ ሰራዊት ሶማል፣ ኣዝሊቑ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ናብ ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣትዩ።
ኣብ ናይ ቃጻ መጥቃቲ ጥራይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ኣልሸባብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት መንግስቲ ሶማል፣ ሓሓሊፉ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0