ሱዳን፣ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ብምልኣት ንምትግባሩ መንግስቲ ቅሩብ ከምዘሎ ጀነራል ዳጋሎ ገሊጹ

Radio Erena: 19 July 2021

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ብምልኣት ንምትግባር፣ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ምክትል ፕረዚደንት፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ገሊጹ።

ጀነራል ዳጋሎ ነዚ ዝገለጸ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጁባ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ነቲ ስምምዕ ሰላም ኣብ ምዕዋት ዝገበሮ ኣበርክቶ ዘመስገነ እቲ ምክትል ፕረዚደንት፣ ኩሎም ወገናት ሱዳን ብምልኣት ከተግብርዎ ተማሕጺኑ።

ጀነራል ዳጋሎ ናብ ደቡብ ሱዳብ ምብጻሕ ዘካየደ፣ ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ሚሊሻታትን ሱዳን፣ ምስቲ ብተወርዋሪ እዚ ዝፍለጥ ፓራሚሊታሪ ብሓባር ምዃን ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ንምጽንባር ዝተጀመረ መስርሕ ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ፣ ሓውሲ ሰራዊትን ምሊሻን ዝኾነ ተወርዋሪ እዚ፣ ኣዘዝቱ ብገበናት ኵናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን’ዮም ዝኽሰሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፣ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ መግስቲ ንምስግጋር፣ ኣብ በዳሂ መስርሕ እትርከብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ’ቶም መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቝሞም ዝርከቡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪላውያን ወገናትን ዘይምትእምማን ተኸሲቱ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0