ኤርትራውያን ዝርከብዎም 133 ስደተኛታት፣ ካብ ሊብያ ናብ ሩዋንዳ ግዒዞም

Radio Erena: 18 July 2021

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 133 ስደተኛታት፣ ካብ ሊብያ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥያስ ናብ ሩዋንዳ ግዒዞም።
እቶም ብዓርቢ 16 ሓምለ ብነፋሪ ዝገዓዙ ስደተኛታት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዞም ኣብ ትጽቢት ዝጸንሑ ምዃኖም ተጸዋዒ ስደተኛታት ገሊጹ።
እዞም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን፣ ዝኾኑ 133 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቅ-ሰብን መጭወይትን ኮይኖም ዝጸንሑ’ዮም።
ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሳብ ዝጣየሱ፣ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝጸንሑሉ፣ ናይ መግቢ፣ ማይ፣ ሕክምናዊ ርዲኤትን፣ ካልእ መሰረታዊ ጠለባትን ንከማልኣሎም፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።
ኣብ ሊብያ ልዕሊ 42,500 ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ በዚ ምጥያስ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ፕሮጀክት ካብ 2017 ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ፣ 6,521 ስደተኛታት ሓገዝ ምርካቦም፣ መዛግብቲ ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Salih 3 years ago

    Entay emo isias dea ab Libya qelawlaw zeneberu elu yeseheq neru hezbena gen ab hadega eyu wedequ zolo