ውህሉል ዕዳ ምምላስ ዝተጸገመት ኩባ፣ ንገለ ክፋሉ ብኣልኮላዊ መስተ (ራም) ክትከፍሎ ትሓትት

Radio Erena: 20 December 2016

Rum

ኩባ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት፣ ካብ ቸክ ሪፖብሊክ ዝተለቅሓቶ 270 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፣ ኣብታ ሃገር ብዝፈሪ ‘ራም’ ዝተባህለ ኣልኮላዊ መስተን መድሃኒታትን ክትከፍሎ ትሓትት ምህላዋ ኣብ ቁጠባ ዘተኩራ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እታ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ እትሳቐ ዘላ ኩባ፣ ንዘለዋ ዕዳ ብኣልኮላዊ መስተ ክትከፍሎ ትደሊ ምህላዋ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ፋይናንስ ቸክ ሪፖብሊክ፣ ሃገሩ ግና እንተወሓደ ንገለ ክፋሉ ብካሽ ክምለሰላ ከምእትደሊ ምጥቃሱ ሲኤንኤን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኩባ ብዛዕባ’ቲ ምስ ቸክ ሪፖብሊክ ዝዘራረበሉ ዘሎ ጉዳይ ብዝምልከት ሓበሬታ ንኽህብ ካብ ማዕከናት ዜና ዓለም ንዝቐረበሉ ሕቶታት ካብ ምምላስ ተቖጢቡ ኣሎ።

ኩባ ዘለዋ ዕዳ ብኣልኮላዊ መስተ ‘ራም’ ክትመልሶ ምስ ቸኽ ሪፖብሊክ ኣብ ስምምዕ እንተበጺሓ፣ ዕዳኣ ምሉእ ብምክሉእ ንኸተጻፍፍ ክሳብ 15 ዓመት ክወስደላ ከምዝኽእል ተንተንቲ ቁጠባ የመልክቱ።

እታ ሓካይምን መድሃኒታትን ብብዝሒ ከም እተፍሪ እትገልጽ ሃገር፣ ንገለ ክፋል ዕዳኣ ብመድሃኒት ክትሽፍኖ ከምእትደሊ’ውን ይግለጽ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቶም ኩባ እተፍርዮም ካብ ዘመናዊ ምዕባለን ቴክኖሎጂን ዝተገለሉ ሞያውያን ሕክምናን መድሃኒትን ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ተቐባልነት የብሎምን።

ኩባ፣ ካብ ሩስያ’ውን 32 ቢልዮን ዕዳ እኳ እንተነበራ፣ ሩስያ ነቲ 90 ሚእታዊት ምሒራታ’ያ።

ነዚ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ዝጸንሐት ኩባ፣ ካብ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝተለቅሓቶ 11 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዘለዋ’ውን ይፍለጥ።

ንኣስታት 50 ዓመት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፊደል ካስትሮ፣ ንኩባ ካብ መፋርቕ 1960 ኣትሒዙ ካብ ኣባልነት ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ባንክ ዓለምን ገሊሉዋ’ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ዝመተ ፊደላ ካስትሮ፣ ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ስልጣኑ ኣብ 2008 ንሓዉ ራውል ካስትሮ ካብ ዘረክብ ንደሓር፣ እታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ተቛምት ምህላዋ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0