ሱዳን፣ ምስ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ምቕያዳ ተገሊጹ

Radio Erena: 19 December 2016

Khar

መንግስቲ ሱዳን ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምቁጽጻር፣ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍትን ሓዋላን ኣብ ዝሃድነሉ ዘሎ እዋን፣ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ከምዝቐየደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፣ ኣብ ከተማ ካርቱምን ከባቢ ደማዚንን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝንገር ዘሎ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ገንዘብ ኣብ ኢዶም ከምዝጸንሐ’ዩ ዝንገር።

እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተዋፊሮምሉ ዝነበሩ ዓይነት ስራሕ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ገሊኦም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝዋስኡ’ዮም ኔሮም ክብሉ እንከለዉ ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ዝተዋፍሩ ኣባላት ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ምንባሮም ከምዝዛረቡ እቶም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኩ ምንጭታት የረድኡ።

ከቢድ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣንጸላልይዎ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ብዘይካ’ቲ ካብታ ሃገር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝንቀሳቐስ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምቁጽጻር ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርን ሓዋላን ንዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ንምህዳን ብዝልዓለ ይሰርሕ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0