ቅትለት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ እስራኤል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ

ቅትለት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ እስራኤል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena : 20 October 2015

IsraMan

ኣብ እስራኤል ከተማ ባር ሸባ፣ ብሰንበት 18 ጥቅምቲ 2015ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ዝተቐትለ ኤርትራዊ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ።

እቲ ሃብቶም ዝተባህለ ኣብ ክሊ ዕድመ መወዳእታ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ፣ ኣብ ከተማ ባር ሸቫ፣ ኣብ መደበር ኣውቶቡስ ኣብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ ክልተ ሰባት ሓደ ስለዝመሰሎም፣ ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ተኾሲሞም ኣብ ከባቢ እግሩ ድሕሪ ምቑሳሎም፣ እስራኤላውያን ብመናብርን ካልእን ጨፍጪፎም’ዮም ብዘውረድሉ ከቢድ ከቢድ ጉድኣት ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ’የ ሞይቱ።

እስራኤላውያን ነቲ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ ብግፍዒ እናተቐተልዎ ዘርኢ’ውን ተንቀሳቓሲ ስእሊ’ውን ብናይ ሞባይል ካሜራታት ተቀዲሑ ኣብ ኢንተርነት ተፈንዩ ኣሎ።

 

ኣብ ስደት፣ ግዳያት ሞትን ካልእ ሓደጋታትን ብዛዕባ ዝኮኑ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ዝኾነ መግለጺ ሂቡ ዘይፈልጥ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣቢሉ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ « ሰበ ስልጣን እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ብጌጋ ተቀቲሉ ዝበልዎ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ንኤምባሲ ኤርትራ ሓዘኖም ገሊጾም፣ » ክብል ጠቒሱ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና፣ ብተወሳኺ፣ እቲ ዘሕዝን ኣማውቲ እቲ ኤርትራዊ ሳዕቤን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝተወሃሃደ ግሎባዊ ገበናትን’ዩ ክብል፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክኸውሎ ሃቂኑ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ብዛዕባ’ዚ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ኣብ እስራኤል ብዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ዘመዱ ካብ እስራኤል ዝተኻየደ ሓጺር ቃል ምልልስ ኣሎ። ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ተኸታተሉ፣-

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0