መራሕቲ ጅቡቲን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጉዳይ የመን፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም

መራሕቲ ጅቡቲን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጉዳይ የመን፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም

Radio Erena : 20 October 2015

Djib Saud

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን፣ ኣብ ጉዳይ የመን፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ኣብ ጉዳያት እቲ ዞባ ንምምይያጥ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ብዘቕረበሉ ዕድመ መሰረት’ዩ ብሰንበት 18 ጥቅምቲ ናብ ሪያድ ኣምሪሑ።

ኣብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ዘተ፣ ካብ ወገን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝተፈላለዩ ወረስቲ ዓራታን ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ክርከቡ እንከለዉ፣ ካብ ወገን ጅቡቲ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብታ ሃገርን ተረኺቦም።

 

ንጉስ ሳልማንን ፕረዚደንት ዑመር ጉለን ዘተ ንክምክያድ ዝተራኸብሉ፣ ኣብ ጽባሕ እቲ ሱዳን ኣስታት 300 ዝብዝሑ ሰራዊት ናብ የመን ምውፋራ’ዩ።

ጅቡቲ’ውን ኣሰር ሱዳን ስዒባ ናብ የመን ሰራዊት ንምውፋር ውጥን ከምዘለዋ’ውን ተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ የረድኡ።

ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ኪዳን ሓይልታት ወሽመጥ ዓረብ ዘልወን ደገፍ ብወግዒ ክገልጻ እንከለዋ፣ ግብጺ፣ ሱዳንን ጅቡትን ክሳብ ወትሃደራተን ንምልኣኽ ቅሩባት ምዃነን ኣረጋጊጸን’የን።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ከምዚ ዓይነት ምትእክኻብ ከምዘይድግፍ ደኣ ይግለጽ እምበር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ’ቲ ንጉስ ሳልማን ዘቕረበሉ ዕድመ፣ ናብ ሪያድ ከምዘምርሐን፣ ምስ ሓይልታት ኪዳን ወሽመጥ ሃገራት ዓረብን ኣብ ስደት ዝነበረ መንግስቲ የመንን ክተሓባባር ከምዝተሰማምዐ ይግለጽ።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ናይ ኣስታት 10 ዓመታት ዝሕቱል ዲፕሎማሲ ብጉዳይ የመን ዳግም ከተበራብሮ እንከላ፣ ምስ ሱዳን ዝነበራ ዘምርድዳእ’ውን ክትፈትሕ ክኢላ ኣላ።

ሱዳንን ኤርትራን ምስ ኢራን ጥቡቕ ወትሃደራዊ ዝምድና ኣለወን ካብ ዝብል ስግኣት’ያ ስዑዲ ዓረብ፣ ምስዘን ሃገራት ዝነበራ ዝምድና ኣዛሕቲላቶ ዝጸንሐት።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0