ትካላት እስራኤል፣ ብኣዕራብ ፍልስጤማውያን ክዕመም ዝጸንሐ ናይ ጉልበት ስራሕ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ንምትክኡ ይሓስባ

ትካላት እስራኤል፣ ብኣዕራብ ፍልስጤማውያን ክዕመም ዝጸንሐ ናይ ጉልበት ስራሕ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ንምትክኡ ይሓስባ

Radio Erena: 19 October 2015

pals

ምምሕዳር ከተማታት እስራኤል፣ ብኣዕራብ ፍልስጤማውያን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ህንጻ ስርሓት ብኤርትራውያን ንምትካእ መምርሒታት ይህባ ምህላወን ጋዜጣ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እተን ምምሕዳራት ፣ነዚ መምርሒታት ዝህባ ዘለዋ፣ ኣብ ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ምትፍናን ተፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝበዝሐ ናይ ህንጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝዋፈሩ ፍልስጤማውያን ምዃኖም’ዩ ዝንገር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ምህናጽን ምጽጋንን ኣብያተ ትምህርቲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣዕራብ ፍልስጤማውያን ብኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ንምትክኦም ይሓስባ ምህላወን ክረጋግጸ ክኢሉ ኣሎ።

 

ሓያሎ ትካላት እስራኤል፣ ብዘይካ ኣብ ናይ ህንጻ ስራሕ፣ ኣብ ናይ ጽሬትን ካልእ ተመሳሳሊ ናይ ጉልበት ዕዮታትን’ውን፣ ነቲ ናይ ኣዕራብ ቦታ ብኤርትራውያን ንምትካእ ሓሳብ ከምዘለወን እቲ ናይ ዮርሳሌም ፖስት ጸብጻብ የረድእ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብታ ሃገር ንኽወጹ ከበድቲ መሰናኽላት እናፈጠረ፣ በቲ ካልእ ድማ ነቲ ሰለማዊ ባህሪ እዞም ስደተኛታት ብምምዝማዝ፣ ነቲ ካብ ኣዕራብ ፍልትጤማውያን ክመጾ ዝኽእል ስግኣት ንምእላይ ኣብ ምሕሳብ ይርከብ።

ኣብ እስራኤል ኣብዚ እዋን’ዚ ተወሊዑ ብሰንኪ ዘሎ ግጭት ብውሕዱ 42 ፍልስጤማውያንን 7 እስራኤላውያንን ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና የረድኣ።

=======================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0