ቀጠር፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ህጹጽ ዋዕላ ክትሳተፍ ዕድመ ቀሪቡላ

Radio Erena: 29 May 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ሓሙስ 30 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ህጹጽ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ፣ ቀጠር ክትሳተፍ ዕድመ ኣቕሪባትላ።

ንጉስ ሳልማ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ፣ ኣብቲ ኣብ ሜካ ዝካየድ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ንኽሳተፍ ናሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ወግዓዊ ዕድመ ከምዘቕረበሉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

እቲ ንጉስ፣ ንኣሚር ቀጠር ዕድመ ዘቕርበሉ ዘሎ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሓ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዘጽንዐኦ እገዳ ካልኣይ ዓመቱ ክመልእ ውርሒ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ቀጠር ኣቐዲማ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዕድመ ከምዘይቀረበላ’ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።

እንተኾነ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብ26 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ካብ ንጉስ ሳልማን ዝተላእከ ዕድመ፣ ብመንገዲ ሓላፊ ምትሕግጋዝ ባይቶ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንኣሚር ቀጠር ከምዝተረከበ ኣፍሊጡ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ጉዳይ ኢራን ኣሻቓሊ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንኣሚር ቀጠር ናብ መካ ምዕዳማ፣ እቲ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ከብቅዕ ዘለዋ ድሌት ዝእንፍት ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።

ቀጠር ኣብቲ፣ ንጉዳይ የመን፣ ሱዳን፣ ሶማል፣ ሶርያን ኢራንን ኣመልኪቱ ዝዝቲ ህጹጽ ዋዕላ ሃገራት ዓረብ ክትትሳተፍ ምዃናን ዘይምዃናን ኣየነጸረትን።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ናይ ምሕዝነት ምሽማው ደፋፊእወን ከምዘሎ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0