ኬንያ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገረን ክምለሳ፣ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

Radio Erena: 28 May 2019

ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ብዘይሕጊ ናብታ ሃገር ዝኣተዋየን ንዝበለን ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ናብ ሃገርን ክምለሳ ከምዝወሰነ ማዕከን ዜና ስታንዳርድ ሓቢሩ።

ፖሊስ ኬንያ፣ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 22 ስደተኛታት፣ ብ15 ግንቦት’ዩ፣ ኣብ መኪና ተጻዒነን እናተጓዓዛ፣ ቲካ ኣብ ዝተባህለ ኣውራ ጎደና ሒዝወን።

እተን ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ምዃነን ዘመልከተ ጠበቐአን፣ ጉዳየን ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክጻረ’ዩ ሓቲቱ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ሃገረን ክምለሳ ከምዘይክእላ’ውን ኣረዲኡ።

እንተኾነ፣ እቲ ቤት ፍርዲ፣ እተን ደቂንስትዮ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝኣተዋ’የን ብምባል፣ ናብ ዓደን ክምለሳ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

ስእሊ፣- ስታንዳርድ

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0