ቀታሊ ኒፕሲ ሃስል ን 60 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 24 February 2023

ኒፕሲ ሃስል ብዝብል ስም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኤርምያስ ኣስገዶም ዝቐተለ ሰብ ን60 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ።

ኣብ 2019፡ ኣብ ኣፍደገ ድኳኑ ዝተቐትለ ነፕሲ ሁሴል፡ ቀታሊኡ ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ እዩ ናይ 60 ዓመታት ማእሰርቲ ተበይንሉ።

እቲ ኤሪክ ሄልደር ጁኒየር ዝተባህለ ገበነኛ፡ ስነ ጥበባዊ ነፕሲ ወይ ኤርሚያስ፣ ኣብ ዝዓበየሉ ኣከባቢ ንዝርከቡ መተዓብይቱ ንምሕጋዝ ኣብ ዝኸፈቶ ማራቶን ዝተባህለ ድኳን ረኺቡ እዩ፡ 10 ጠያይት ብምትኳስ ኣብ ኣፍደገ ድኳኑ ቀቲልዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ገበነኛ፡ ንነፕሲ ምቕታሉ፣ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰባት ፈተነ ቅትለት ምግባሩ እውን ተረጋጊጹ። በዚ ድማ’ዩ ድምር ማእሰርቱ ናብ 60 ዓመታት ክበጽሕ ዝኸኣለ።

ወዲ 33 ዓመት ራፐር ነብሲ፡ ኣብ እዋን ንእስቱ ኣባል ሮሊንግስ ሲክስቲስ ዝተባህለ ገበናዊ ጉጅለ’ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ንሕብረተሰቡ ይቕረታ ብምሕታት ንጡፍ ተሳታፍነት ይገብር ምንባሩን፡ ቅድሚ ሞቱ ምስ ፖሊስ ሎስ ኣንጆልስ ብኸመይ ኣብ ከባቢኡ ዝፍጸም ገበናት ክቕነስ ይከኣል ይዝቲ ምንባሩን ፈለጥቱ ይምስክሩ። ናይ ኤርምያስ ቅትለት ምስዚ ጉዳይ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ኤርምያስ ድሕሪ ሞቱ፡ ኣብ 2020 ብሉጽ ናይ ራፕ ምርኢትን፡ ዝበለጸ ራፕን ብዝብል መምዘኒ 2ተ ናይ ግራሚ ኣዋርድስ ሽልማት ምርካቡ ይፍለጥ። ወዲ 33 ዓመት ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኤርምያስ ኣስገዶም ብዓል ሓዳርን ኣቦ 2ተ ውሉዳትን እዩ ኔሩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0