ሽወደን፣ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ክልተ ኤርትራውያን ሞይቶም

Radio Erena: 08 October 2019

ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ስቶኮልም፣ ከባቢ ቦትሺርካ፣ ብዘጋጠመ ከቢድ ናይ መኪና ሓደጋ፣ ክልተ ኤርትራውያን ሞይቶም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ፣ ኣርባዕተ ኤርትራውያን’ውን ከምዝቖሰሉ ወኪል ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ፣ ሓንቲ ሚኒባስ ፣ ነቶም ኤርትራውያን ጽዒና ንዝነበረት መኪና፣ ብድሕሪት መጺኣ ድሕሪ ምግጫዋ ምግጫዋ ዘጋጠመ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓደ ካብቶም ኤርትራውያን ብኡ ንብኡ ክመውት እንከሎ እቲ ካልኣት ግና ብከቢድ ተሃስዩ ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ዓሪፉ።

ስነ ስርዓትት ቀብሪ ናይ ሓደ ካብቶም ግዳያት ሓደጋ ሎሚ 8 ጥቅምቲ ኣብ ሽወደን ክፍጸም’ዩ።

ናይቲ ካልኣይ ሬሳ ግና ናብ ኤርትራ ክምለ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0