መራሕቲ ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይዱ

Radio Erena: 08 October 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶቅን፣ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ጀነራል ቡርሃን ዓብደል ፈታሕን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዶም።

እቶም መራሕቲ ብሰንበት 6 ጥቅምቲ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ ምስ ንጉስ ሳልማንን ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊን፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ምትሕግጋዝ ተመያይጦም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ገዚፍ ወፍሪ ንምክያድ ከምዘለዋ ኣብቲ ኣጋጣሚ ክትገልጽ እንከላ፣ ሱዳን ካብ መዝገብ መወልቲ ሽበራ ንኽትእለ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ።

መራሕቲ ሱዳን ናብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻ ዘካይዱ ዘለዉ፣ ሱዳን ኣብ የመን ኣዋፊራቶ ዘላ ሰራዊት ክትስሕብ’ያ ዝብል ወረ ኣብ ዝናፈሰሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሱዳን፣ ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር፣ ንስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ፣ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰራዊት ናብ የመን ከምዘዋፈረት ኣይርሳዕን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0