ሶማል ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ

ሶማል ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ስሒባ

Radio Erena: April 29, 2014

Somali

ፖሊስ ኬንያ ንላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ሶማል ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ምቕያዶም፣ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ስሒቡ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ የብሎም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣሽሓት ሶማላውያን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ግፍዕታት፣ ከምዘቖጦዖ ዝገለጸ ሚኒስተር ዜና ሶማል ሙስጦፋ ኣሕመድ ዱሑሎው፣ ብዓርቢ 25 ሚያዝያ ዝተፈጸመ ምእሳር ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ድማ መንግስቲ ሶማል ኣብ ኬንያ ንዝነበረ ኣምባሳደሩ ክስሕብ ከምዘገደዶ ኣፍሊጡ።

 

ፖሊስ ኬንያ፣ ነቲ ሲያድ መሐመድ ሺረ ዝተባህለ ሶማላዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ንሓያሎ ሰዓታት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታውም እኳ እንተለቕቕዎ፣ ዝተእስረሉ ምኽንያት ግና ዝኾነ መግለጺ’ውን ኣይሃብሉን።

ኣፈኛ ፓርላማ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ናይ ኬንያ ስጉምቲ ብምኹናን መንግስቲ ኬንያ መልሲ ክህበሉ’ዩ ሓቲቱ።

እንተኽዕነ መንግስቲ ኬንያ ዛጊት ዝኾነ መልሲ ወይ መብርሂ ስለዘይሃበሉ፣ መንግስቲ ሶማል ድማ ከም ግብረ መልሲ ነቲ ኣብ ናይሮቢ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ክስሕብ ከምዝተገደደ ይገልጽ።

እዚ ኣብ መንጎ ኬንያ ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዘይምርድዳእ፣ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ንዝንቐሳቐሱ ዕጡቓት ዝያድ ፍናን ዝፈጥር’ዩ ክብሉ’ውን ሃይሎ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0