ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ’ዩ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ’ዩ

Radio Erena: April 29, 2014

John kerry

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ንምክያድ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ ካብ ዋሽንግተን ዝተመሓላለፈ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ጆን ኬሪ ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖን ብምርኻብ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ክዝቲ ምዃኑ ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳይት ወጻኢ ኣመሪካ ጀን ፕሳኪ ኣፍሊጣ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ካብ ሎሚ 29 ክሳብ 5 ግንቦት ኣብ ዘሎ ዕለታት፣ ብዘይካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኮንጎን ኣንጎላን’ውን ዑደት ከካይድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

 

ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ሓይሊ ከምእትውንን ምስ እትገልጻ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳያት ሶማልን ደቡብ ሱዳን ቀጻሊ ዝርርባት ከምእተካይድ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መበል 43 ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆርጅ ቡሽ ናብ ኢትዮጵያ ምስጢራዊ ዑደት ከምዘካየደ ይዝከር።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ከካይድ ምዃኑ ብወግዒ ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትሓተሉ ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ይጽውዑ ኣለዉ።

ኣብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ዜና፣ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘካይድኦ ዘለዋ ሓባራዊ ናይ ልቓሕን ልምዓትን መደባት ንምዝርራብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ኬክያንግ ኣብ ዝመጽእ ሰሙና ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0