ሶማል፣ ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርያ እዋና ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ዳግም ከተሕትም’ያ

Radio Erena: 25 January 2023

ምስ ምውዳቕ ስርዓት ሲያድ ባረ ኣብ 1991፣ ቀስ እናበለ ካብ ዕዳጋ ዝተኣልየ ባጤራ ሶማል፣ ዳግም ንምጅማሩ መደብ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ምክትል ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ሶማል ምስ መርበብ ዜና ብሉም በርግ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2024፣ ሶማል ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ሽሊንግ ባጤራ ናብ ዕዳጋ ክትዝርግሕ ምዃና ኣሚቱ።

1000 ሺሊንግ ናይ ወረቐት መበገሲ ዘለዎ ባጤራ ሶማል፣ ክሳብ 1990 ኣብ ዕዳጋ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ 1991 እታ ሃገር ናብ ውድቀት ስለዘምርሐት፣ ትካላት መንግስቲን ሃገርን ብምዕናዉ፣ ባጤራ ዝከታተል ሕጋዊ ትካል ኣይጸንሐን።

ባጤራ ሶማል፣ ብሰንኪ ምትምያንን ካልእ ምስ ዕዳጋ ዝተኣሳሰር ምኽንያታትን ካብ ዕዳጋ ጠቕሊሉ ምስ ተኣልየ፣ ዶላር ኣመሪካ ከም ኣውራ መናገዲ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ሶማል፣ ባጤራታት ዩሮ፣ ሪያል ስዑዲ ዓረብ፣ ሺሊንግ ናይ ኬንያን ካልኦትን’ውን ኣብ ዕዳጋታት ዝውቱር’ዩ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ሶማል ኣብ 2017 ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ሺሊንግ ዳግም ክትጅምር ምዃና ሓቢሩ እኳ እንተነበረ፣ ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

እታ ሃገር፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ዕዳጋ ክትዝርግሖ ተስፋ ኣንቢራትሉ ዘላ ናይ 1000 ናይ ወረቐት ሺሊንግ፣ ትካላት ማእከላይ መንግስቲ ንምሕያል፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ተበግሶታት ክኸውን’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0