ሶማል፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ

Radio Erena: 15 February 2021

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛዲሾ፣ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

በቲ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ብምፍንጃር፣ ብ13 ለካቲት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ኣባልት ጸጥታ ዝርከብዎም ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ብቀሊልን ከቢድን ቆሲሎም።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መካይን’ውን ከምዝዓነዋ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ነታ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ዕጡቕ፣ ናብ ቤተ-መንግስቲ ዘእቱ፣ መፈተሺ ነቑጣ ጥሑሱ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣባላት ጸጥታ ደው ንኸብልዎ ቶኽሲ ድሕሪ ምኽፋቶም’ዩ እታ መኪና ተፈንጂራ።

ሶማል፣ ዕድመ ስልጣኖም ካብ ዘብቅዕ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ ንዘሎ ኣባላት ባይቶን ፕረዚደንትን ንምትካእ፣ ብጉዳይ ምርጫ ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዘላትሉ ግዜ’ዩ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ተኻይዱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0