ዶባዊ ምስሕሓብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ብደቡብ ሱዳን ዝተወስደ ተበግሶ መሰናኽል ከምዘጋጠሞ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 February 2021

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንኣቦ መንበር መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድን ንምቅርራብ ዝወሰዶ ተበግሶ መሰናኽል ከምዝገጠሞ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣረጋጊጹ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ንዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሱዳን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ መራሕቲ ናይተን ብዶባ ዝሰሓሓባ ዘለዋ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ጁባ ክራኸቡ ዝቐረበ መደብ፣ ኢትዮጵያ ብዝቐረበቶ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ከባቢታት ክትስሕብ ዝብል ቅድመ ኩነት፣ ክዕወት ከምዘይክኣለ ኣነጺሩ።

ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ስምምዕ ዶባት ከተኽብር ዝጽውዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ናይ ሽምግልና ዘተ ቅድሚ ምቕራቡ፣ ሰራዊት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዝሓዞ ሰፋሕቲ ከባቢታት ክስሕብ’ያ ብተደጋጋሚ ትጽውዕ ዘላ።

መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፣ ሒዝዎ ዘሎ ከባቢታት ቅድሚ 26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ዝተወረረ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ካብ ሉኣላዊ መሬቱ ከምዘይስሕብ ይምጉት።

ሰራዊተን ናብቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ ዶባት ዝጓርታ ዘለዋ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ጸጸኒሐን ናይ ሞርታራን ካልእ ፈኵስቲ ግጭታትን የካይዳ ምህላወን ይሕበር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0