ኤርትራ፣ ብብልሽውና ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 160 ተሰሪዓ

Radio Erena: 15 February 2021

ኤርትራ፣ ብብልሽውና ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 160 ከምእትስራዕ ጸብጻብ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ንዝፍጸም ብልሽውና መጽናዕቲ ዘቕርብ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ናይ 2020 ጸብጻቡ፣ ዝተፈላለየ መምዘኒታት ተጠቒሙ ንኤርትራ 21 ካብ 100 ነጥቢ’ዩ ሂቡዋ።

እቲ ትካል፣ ንብልሽውና ከም መምዘኒ ካብ ዝተጠቕመሉ ሓደ ሓደ ነጥብታት፣ ኣጠቓቕዕማ ስሩዕ ባጀት፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣብ ኣታዊታት ሃገር፣ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ሃገር፣ ከምኡ ድማ ብደረጃ ሰበ ስልጣንን ትካላት መንግስትን ዝፍጸም ዝርገት ሃብቲ ሃገርን ጉቦ ምሃብን ምቕባልን’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብብልሽውና ቀዳማይ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ኮይነን፣ ነፍሲ ወከፈን12 ካብ 100 ነጥቢ ብምርካብ፣ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 179’የን ተሰሪዐን ዝርከባ።

ኣብዚ ዞባ እታ ዝወሓደ ብልሽውና ዝረኣየላ እትብሃል ሃገር፣ ርዋንዳ ኮይና፣ 54 ካብ 100 ነጥቢ ብምርካብ፣ ብደረጃ ዓለም ድማ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 49 ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ኤርትራ፣ ማዕረ’ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ጉቦ ምሃብን ምቕባልን ግኑን ተርእዮ ዘይምዃኑ’ዩ ዝዝረብ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ዘይፍሉጥ ባጀትን ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይብሉ ኣታዊታትን ሃገር’ዩ ዘሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Abrham 3 years ago

    Emo entay dia nigber zeynihabr kisab mias ena kemzi elna

  • comment-avatar

    Nsu keman wuhduwa ane si 180 mserakuwa