ሶማል፣ ኣብ መእለዪ ማእከላት ዝነበሩ ኣስታት 700 ቆልዑ ብዓጸቦ ሞይቶም

Radio Erena: 08 September 2022

ኣብ ሶማል፣ ግዳያት ደርቂ ኣብ ዝዕቆብሉ ማእከላት ክእለዩ ዝጸንሑ ኣስታት 700 ቆልዑ ብሰንኪ ዓጸቦ ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፣ ብ06 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መእለዪ ማእከላት፣ ሞት 730 ቆልዑ ከምዝመዝገበ ብምምልካት፣ ብሰንኪ ዓጸቦ ብደረጃ ሃገር ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ግና ካብዚ ክዛይድ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

ማይን መግብን ንምምእራር፣ ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክስደድ ምርእይ ንቡር ኮይኑ ምህላዉ ዝጠቕሱ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ዝቖማ ማእከላት መዕቆቢ ግዳያት ደርቂ
ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ከምዘእንግዳ ኣመልኪቶም።

ኣብ ከባቢ ሞቛዲሹ ንዝርከባ ትሽዓተ ማእከላት እተመሓደር፣ ፋዱማ ዋርሰማ፣ ንማዕከናት ዜና እባ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብዓጸቦ ዝተሰነፉ 115 ቆልዑን ኣረጋውያንን ከምዝቐበሩ ገሊጻ።

ሶማል፣ ኣብዚ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተገልጸ ደርቂ ኣንጸላልዩዋ፣ ኣስታት ፍርቂ ካብቲ ልዕሊ 15 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ ተጸባዪ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ኣህጉራውያን ትካላት የገንዝባ።

እታ ሃገር፣ ጎጎኒ ጎኒ’ቲ ገጢሙዋ ዘሎ ባህርያዊ ደርቂ፣ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታትን ምስፍሕፋሕ መጥቃዕታት ኣልሸባብን’ውን ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሩን ዘድልያ ሓገዛትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ጆ ባይደን ንምምይያጥ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ዋሽንግተን ከምርሕ ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ኣሚቶም።

ኣብ ሶማል ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፣ ህጹጽ ሓገዝ ንምብራክት፣ መሻርኽቲ ሃገራት ኣስታት 1.6 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ ሕቡራት ሃገራት ይምሕጸን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0