ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ‘ካራሩ ዝዓጠቑ በጋሚንዶታት ኣጥቂዖሙና’ ክብል ወቒሱ

Radio Erena: 08 September 2022

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ክካየድ ዝተወጠነ ፌስቲቫላት ህግደፍ፣ ካብ መንእሰያት ሓያሎ ተቓውሞ ገጢምዎ፣ መብዛሕትኡ ኣብ ዝፈሸለሉ ፍጻሜታት፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲን ኤምባሲታትን ኤርትራ ዘለፋ ዝተሓወሶ መግለጺታት የውጽኡ ኣለዉ።

ኣብ ሽወደን፣ ሆላንድ፣ ጀርመን፣ ደንማርክ፣ ነርወይ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ መንእሰያት፣ ነቲ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተሰምየ ውዳበ ኣንጻር ፌስቪቫላት ህግደፍ ዘካይድዎ ምንቅስቓስ፣ ብደለይቲ ፍትሒ ከም ዕዉት ቃልሲ ኣንጻር ፕሮፖጋንዳ ምልካዊ ስርዓት ክርአ እንከሎ፣ ሰበ ስልጣንን ኤምባሲታትን መንግስቲ ኤርትራ ድማ ናይ በጋሚንዶ ስራሕ ክብሉ’ዮም ጠቒሶም።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብ6 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ ብሰንበት 4 መስከረም፣ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣብ ዝተሓስበ መደብ ዝኽሪ መበል 61 ዓመት ምጅማር ብርታዊ ቃልሲ፣ ካራሩን ካልእ መሳርሒታትን ዝዓጠቑ በጋሚዶታት፣ ከሰናኽሉና ፈቲኖም ክብል ወቒሱ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ፣ እቶም ነቲ መደብ ከሰናኽሉ ዝፈተኑ፣ ጸላእቲ ኤርትራን ኩሉ ናይ ኤርትራ ዝኮኑ፣ ተስፋ ዝቖረጹ ዘይ-ኤርትራውያን’ዮም ክሳብ ምባል በጺሑ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስደት ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ በብእዋኑ፣ ከም ‘ይኣክል’ ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ ውዳቤታት ብምክያድ ኣንጻር ፕሮፖጋንዳታት ህግደፍ ክቃወሙ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ኣንጻር ፌስቲቫላትን ኣኼባታትን ደገፍቲ ህግደፍን ከካይዱ ግና እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ መጀመርያ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0