ሶማል፣ ኣባላት ዳዒሽ ምዃኖም ዝተገልጹ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ክልተ ሱዳናውያንን ኢዶም ሂቦም

Radio Erena: 04 July 2023

ኣባላት ናይቲ ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐስ ኣካል ጉጅለ ዳዒሽ ምዃኖም ዝተገልጹ ኣርባዕተ ኢትዮጵውያንን ክልተ ሱዳናውያንን፣ ንሓይልታት ጸጥታ ኢዶም ከምዝሃቡ መርበብ ዜና ጋረወ ሓቢሩ።

እቶም ኣባላት ዳዒሽ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ዞባ ባሪ ናብ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ኢዶም ከምዝህቡ ዘረጋገጹ ሰበ ስልጣን ሶማል፣ እቲ ሽበራዊ ምዃኑ ዝጠቐስዎ ጉጅለ ወጻእተኛታት የዐስክር ምህላዉ ወቒሶም።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኢዶም ዝሃቡ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኾኑ ኣባላት ዳዒሽ፣ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ ተታሊሎም ምስቲ ጉጅለ ከምዝተጸንበሩ ምግላጾም እቲ መርበብ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ባሪ፣ ሜጀር ጀነራል ዓብደልቓድር ድሪር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ፡ ሽቕለት ኣልቦ መንእሰያት፣ ምእንቲ ገንዘብ ክብሉ ምስ ሽበራውያን ጉጅለታት ብምትሕብባር ገበናት ካብ ምፍጻም ክቝጠቡ ተላብዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብን ጉጅለ ዳዒሽን ብዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒታት፣ ሓያሎ ከባቢታት ክቖጻጸሩ እንከለዉ፣ ኣባላት እተን ጉጅለታት፣ ናብ ዓድታት እናተበታተኑ ምስ ህብዚ ይሕወሱ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0