ሶማል፣ ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ 15 ኣባላት ፓርላማ ደስኪሎም

Radio Erena: 29 March 2021

ኣብ ሶማል፣ ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ተኸሲቱ ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ፣ 15 ኣባላት ፓርላማ ከምዝደስከሉ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ሓቢሩ።

ንሳቶም፣ ብኣፈኛ እቲ ፓርላማ፣ መሓመድ ሙርሳል፣ ክድስክሉ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ቅድሚ ምርጫ ኣብ ዝካየድ ምምኽካር፣ ተቓውሞታት ስለዘለዓዓሉ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ብቀዳም 27 መጋቢት፣ ኣብ ማእከል ባይቶ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ እቶም 15 ኣባላት ፓርላማ ከምዝወደብዎ ዝወቐሰ እቲ ኣፈኛ፣ ብውሕዱ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ኣኼባታት ከይሳተፉ’ዩ ኣጊዱ።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ እቲ ፕረዚደንትን ተቓወምቱን ዝኾኑ ኣባላት ፓርላማ፣ ድሕሪ ዝተጓሃሃረ ናዕቢ፣ እቲ ባይቶ ብዘይዝኾነ ስምምዕ’ዩ ተበቲኑ።

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ርእሰ ምምሕዳራትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ኣብ 8 ለካቲት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ዛጊት ክካየድ ኣይከኣለን።

መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን፣ ሕጋዊ ስልጣን ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ኣብቂዑ’ዩ ብምባል፣ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ነቲ መንግስቲ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ’ዮም ዝገልጹ።

ነዞም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ዝድግፉ ኣባላት ፓርላማ ብወገኖም፣ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ፣ ዕድመ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ብሕጋዊ መንገዲ ንምንዋሕ፣ ብባይቶ ውሳኔ ንምሕላፍ ዝግበር ዘሎ ኣኼባታት ይቃወሙ ከምዘለዉ ካብ ሶማል ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0