ሶማል፣ ብሰንኪ ደርቂ ካብ መነባብርኦም ናይ ዝተመዛበሉ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 1 ሚልዮን በጺሑ

Radio Erena: 15 August 2022

ኣብ ሶማል፣ ካብ ጥሪ 2021 ኣትሒዙ፣ ብሰንኪ ደርቂ ካብ መነባብርኦም ናይ ዝተመዛበሉ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 1 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

መግቢን ማይን ንምምእራር ካብ መነባብርኦም ናይ ዝመዛበሉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት መዓልታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ዘመልከተ ዳይረክተር ትካል ግብረ ሰናይ ኖርወዥያዊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት፣ ጨንፈር ሶማል፣ መሓመድ ዓብዲ፣ ዝበኣሰ ከየጋጠመ እንከሎ፣ ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

እዚ ኣብ ሶማል ተኽሲቱ ዘሎ ደርቂ ኣብዚ 40 ዓመታት እቲ ዝበኣሰ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ሶማል፣ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ምዃኑ ዘገንዘበ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ እቶም ኣስታት 200 ሽሕ ንስግኣት ዓጸቦ ዝተቓልዑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን ልዕሊ 30 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0