ፕረዚደንት ግብጺ፣ 13 ሓደሽቲ ሚኒስተራት ዘካተተ ምቅይያር ኣባላት ካቢነ ኣካይዱ

Radio Erena: 15 August 2022

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፣ 13 ሓደሽቲ ሚኒስተራት ዘካተተ ምቅይያር ኣባላት ካቢነ ምክያዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ብ13 ነሓሰ ዝተኻየደ ምቅይያር ካቢነ ሚኒስተራት ብዝያዳ ኣብ ጽፍሕታት ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ትምህርቲን ሃገራዊ ልምዓትን ዘተኮረ ምዃኑ ዘመልከታ ማዕከናት ዜና ግብጺ፣ እታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ገጢሙዋ ንዘሎቁጠባዊ ብድሆታት ዳግመ ምትዕርራይ ንምግባር ዘንቐደ’ዩ ክብላ ተንቲነንን።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዘካየዶ ምቅይያራት ካቢነ ሚኒስተራት ምስ ምድልዳል ስልጣኑ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዝተፈላለየ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ብዝያዳ እምነት ኣሕዲርሎም ከምዘሎ ዝተገልጹ ሚኒስተራት ምክልኻል፣ ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ወጻኢን ፋይናንስን ግና ካብ መዝነቶም ከምዘይተነቓነቑ’ዩ እቲ ካብ ካይሮ ዝተዘርግሐ ሓበሬት ኣመልኪቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0