ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ካብ ሓሙስ 18 ክሳብ ሰንበት 28 ነሓሰ ኣብ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ Tour de l’Avenir ንምውድዳር ናብ ፈረንሳ ኣቕኒዓ

Radio Erena: 16 August 2022

ድሕሪ ጽባሕ ሓሙስ 18 ነሓሰ ተኸፊቱ ክሳብ 28 ነሓሰ ዝቕጽል፡ መበል 58 ውድድር Tour de l’Avenir እትወዳደር ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ናብ ፈረንሳ ኣቕኒዓ።

እታ ብሰኑይ 15 ነሓሰ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኣስመራ ነቒላ፡ ናብ ኣአንጋዲት ፈረንሳ ኣቕኒዓ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ተቐዳዳማይ ክለብ ሬድ ሲ ብዝነበረ ምኩር ኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል ዝእለዩ፣ 8 ተቐዳደምቲ ሓቝፋ ኣላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ምስ ዝተፈላለያ ክለባት ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ንዝተሓቝፉ 8 ተቐዳደምቲ ጠርኒፋ፡ ልምምድን ምጽራይን ከተካይድ ከም ዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 4 ካብ ውሽጢ ሃገር 2 ድማ ካብ ወጻኢ ሓርያ።

ንሳቶም፣ መሓሪ ተወልደ፡ ሓዉ ንመርሃዊ ቅዱስ ሚልክያስ ቅዱስ፡ ሓዉ ንሜሮን ርእሶም ንያት ርእሶምን ሴላ ወልደሚካኤልን ካብ ክለባት ኤርትራ፣ ንኤፍሬም ገብረሂወትን ናሆም ዘርኣይን ድማ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኮንቲነንታል ክለብ ኲቤካ’ዮም።

እዞም ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 20 ዝርከቡ ትስፉዋት ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ተቐዳዳማይ ክለባት ኣልታሕሪርን ሬድ ሲን ዝነበረ፡ ሓላፊ ዳንነት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኤፍሬም ኣብርሃም (ወዲ ፎርኖ) ከም መራሒ፡ ፈረጅ መሓመድኑር ከኣ ከም ጸጋኒ ብሽክለታ ኣሰንዮሞም ናብ ፈረንሳ ተጓዒዞም ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ውድድር፣ 15 ካብ ኤውሮጳ፡ ሓንቲ ካብ ኤስያ፡ ሓንቲ ካብ ኣውስትራልያ፡ 3 ካብ ሃገራት ካሪብያንን ሰሜን ኣሜሪካን፡ 2 ካብ ላቲን ኣሜሪካ፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ ኣፍሪቃ፡ ብሓፈሻ 23 ሃገራውያን ጋንታታት ክካፈላ እየን።

እታ እንኮ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ወኪላ ኣብ’ዚ ዓቢ ውድድር ቀሪባ ዘላ ሃገር ኤርትራ እያ። ሬድዮ ኤረና ንሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ዓወት ትምነ!!

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0