ሶማል፣ ብሰንኪ ዕልቕልቅ 10 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 31 October 2019

ኣብ ማእከል ሶማል፣ ከባቢ በለድወይን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝወረደ ሓያል ዝናብ፣ ዝፈጠሮ ዕልቅልቕ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ወሪዱ።

16 ሰባት ዝጽዓነት ጃልባ፣ ብሰንኪ እቲ ሃንደበት ዘዕለቕለቐ ጋሻ ውሕጅ ብምጥሓላ እቶም 10 ከምዝሞቱ ከንቲባ በለድወይን፣ ሳፍያ ሸኽ ሓሰን ዓሊ ኣረጋጊጻ።

ሓንቲ ካብቶም ግዳያት፣ ጸሓፊታ ምዃና’ውን ጠቒሳ።

85% ናይታ ከተማ ብማይ ከምዘዕለቕለቐ ዝሓበረ ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣስታት 164 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ምህላዎም ሓቢሩ።

ዝበዝሐ መንበሪ ኣባይቲ ናይታ ከተማ ብውሕጅ ተወሲዱ፣ ህዝቢ ብዘይመጽለሊ ተሪፉ ብምህላዉ፣ ትካላት ግብረ ሰናይ ህጹጽ ሓገዝ ከበርክታ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብደላ ፋርማጆ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዝርከባ ሩባታት፣ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምምለአን፣ ኣውራ ጠንቒ’ቲ ዕልቕልቕ ምዃነን’ዮም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ዘመልክቱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0