ሶማል፣ ሚኒስተር ትምህርቲ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ድሒኑ፣ 16 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 August 2020

ሚኒስተር ትምህርቲ ሶማል፣ ዓብዱላሂ ጎዳሕ ባረ ካብ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ንስክላ ከምዝደሓነ መግለጺ ፈደራላዊ መንግስቲ’ታ ኣፍሊጡ።

ኣቲ ሚኒስተር፣ ብሰንበት 16 ነሓሰ፣ ብቓፍላይ ተዓጂቡ፣ ካብ ዞባ ጎደ ናብ ከተማ ሞቛድሾ እናምርሐ እንከሎ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ፣ ቀሊል ጉድኣት ወሪድዎ፣ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክግበረሉ እንከሎ፣ ካብ ዓጀብቱን ሓለፍቲ መንገዲን ግና ዝተቐተሉ ከምዘለዉ’ዩ ተሓቢሩ።

ነቲ ስርሒት ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣልሸባብ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብታ ዕለት እቲኣ፣ ኣብ ሞቛድሾ፣ ገማግም ባሕሪ ሆቴል ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 16 ሰባት ተቐቲሎም።

ዕጡቓት ናይቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ነታ ወጻእተኛታትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ከምዝዓርፉላ ዝንገረላ ሆቴል ንሓያሎ ሰዓታት ተቖጻጺሩዋ ከምዝወዓለ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ከተማ ገሊጾም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0