ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንመላእ ኣፍሪቃ ዝሓቖፈ ሽልማት ስፖርት – ኣኖካ ተዋሂቡ

Radio Erena: 18 August 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብማሕበር ሃገራውያን ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኣፍሪቃ፡ ማለት ኣኖካ፡ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት ተዋሂቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ሽልማት ዝበቕዐ፡ ንስፖርት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ብዝኣተዎ ኣብነታዊ መብጽዓን፡ ንምንቕስቓስ ኦሊምፒክ ሃገሩ ብዝሃቦ ኣገልግሎትን እዩ።

ዶክተር ኣቢይ፡ እቲ ንመራሕቲ ሃገራትን ካልኦት ልዑል ስም ዘለዎም ውልቀሰባትን ዝወሃብ ሽልማት ከም እተዋህበ፡ ካብ ፕረዚደንት እቲ ማሕበርን ኣባል ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሊምፒክስን ሙስጠፋ በራፍ ብዝተጻሕፈሉ ደብዳቤ እዩ ፈሊጡ።

ፕረዚደንት ሙስጠፋ፡ እቲ ሽልማት ነቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ክወሃብ ዝኸኣለ፡ ፈጻሚ ቦርድ ኣኖካ፡ ካብ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝቐረበሉ ናይ ሕጹይነት ምሕጽንታ፡ ምዃኑ ኣብ’ቲ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ብተወሳኺ ገሊጹ።

እቲ መራሒ ኢትዮጵያ፡ ነታ ንሃገሩ ወኪላ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ እትሳተፍ ጉጅለን ንመህነጺ ቤት ትምህርቲ ኦሊምፒክስን ዝውዕል 3 ሚልዮን ብር ክስልዕ ምዃኑ ቓል ኣትዩ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ውን፡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቪኒ፣ ተመሳሳሊ ሽልማት ተዋሂቡ’ዩ።

ኣብ 1981 ዝተመስረተ ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣቡጃ ናይጀርያ ዝርከብ ኣኖካ፡ ኣብ 7 ዞባታት ብዝተኸፋፈላ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቖመ ማሕበር እዩ።

ኤርትራ 11 ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈ 5ይ ዞን ተሓቚፋ ትርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0