ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንዓመታት ዘዋህለልኦ ልዕሊ 580 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክኸፍላ ከምዘይክእላ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 August 2020

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከጋጥመን ካብ ዝኽእል ቁጠባዊ ቅልውላው ንምድሓን ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ዘለወን ውህሉል ዕዳ ክድስክል ዝብል እማመ ኣብ ዘተ’ዩ ዝርከብ።

እዘን ሃገራት፣ ንዓመታት ዘዋህለልኦ ዕዳ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19፣ ካብ ወለድ ናጻ ኮይኑ ክጸንሕ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ንሓዋሩ ኸ ዕዳኣ ክትከፍል ትኽእል ሃገር ኣላ ድያ ዝብል ትንታነታት ቁጠባ እንዳዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ውህሉል ዕዳ 583 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ጸብጻብ ባንክ ዓለም የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ቅድሚ 10 ዓመታት 236 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ዝነበረን እዘን ሃገራት፣ ኣብ 2018 ብ150% ንሂሩ ናብ 583 ቢልዮን ደይቡ።

እዚ ድማ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ክትጻወሮ ናብ ዘይትኽል ዕዳን ሳዕቤናቱን ትሽመም ከምዘላ ዝእንፍት ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ዕዳ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እናነሃረ ካብ ዝኸደሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ቻይና’ያ።

ቻይና፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ልቃሕ እናሃበት፣ ግዳያት ዕዳ ትገብረን ምህላዋ’ዩ ዝትንተን።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዕዳኣ ክትከፍል እትኽእል ሃገር ዘየላ ክነሳ፣ ቻይና ብዘይቅድመ ኩነት 10ታት ቢልዮናት ዶላራት ብመልክዕ ልቃሕ ምሃባ፣ ንመጻኢ ጸጋታትን ዕድላት ወፍርን እዛ ኣህጉር ንምብሓት ዝዓለመ’ዩ ዝብሃል።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ዕዳ ዘለወን ተባሂለን ዝጥቀሳ ከም ናይጀርያን ኢትዮጵያን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወሓደ ውህሉል ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂላ’ያ ትግለጽ።

ክሳብ ታሕሳስ 2017፣ ውህሉል ዕዳ ኤርትራ ኣስታት 875 ሚልዮን ዶላር’ዩ ኔሩ።

ምስ ምትእትው ቻይና፣ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2018 ዝነበራ ዕዳ ናብ ልዕሊ 3.5 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓረገ ጸብጻባት ቁጠባ ይጠቕሱ።

ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዘሻቕሎም ኣውራ ጉዳያት፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ምኽፋል ውህሉል ዕዳ፣ ብቑዕ ምሕደራን ምቁጽጻር ብልሽውናን ግሉጽነትን ዘይምህላው’ዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 580 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ደኣ ይሃልወን’ምበር ዓመታዊ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ብብልሽውና ከምዝጠፋፋ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 1