ሶማልያ፣ ኣዛዚ ቤት ማእሰርቲ ኦጋዴን ነበር ናብ ኢትዮጵያ ኣረኪባ

Radio Erena: 27 May 2019

መንግስቲ ሶማልያ፣ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ናይቲ ኣብ ዞባ ኦጋዴን ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምንባሩ ንዝተገልጸ፣ ሓሰን ኢብራም ዝተባህለ ኢትዮጵያ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪባቶም።

ኣማሓዳሪ ናይቲ ዞባ ዝነበረ ዓብዱ ዒለ፣ ኣኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝኣተወ ዝዝከር ኮይኑ፣ ሓያሎ ኣዘዝቲ ፖሊስን ኣብያተ ማእሰርቲን እቲ ዞባ ግና ናብ ሶማልን ካልኦት ከባቢታትን ሃዲሞም ክህደኑ’ዩም ጸኒሖም።

ብሓሰን ዲሂር ዝፍለጥ ኣዛዚ ናይቲ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝተፈጸሞ ዝግለጽ ኣብያተ ማእሰርቲ ኦጋዴን፣ ኣብ ማእከላይ ሶማል ኣብ እትርከብ ከተማ ጎዶቦግ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል ተታሒዙ።

ብኡ ንብኡ ድማ ኣብ ጂጂጋ ናብ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተረኪቡ።

ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዕታት ፈጺሞም’ዮም ንዝበሎ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ዝርከቦም፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ኣብያተ ማእሰርን ኣብ ምህዳን ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0