መራሕቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ሃገራት ዓረብ ምብጻሕ የካይዱ

Radio Erena: 28 May 2019

ስርዓት ኣል በሺር ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምእላዩ፣ ስልጣን ሒዞም ዝርከቡ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ናብ ሰለስተ ሃገራት ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዶም።

ኣቦ መንበር ናይቲ ጉጅለ፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምቕናዕ፣ ምስ መራሕቲ ናይዘን ሃገራት ምስጢራዊ ምይይጥ ኣካይዱ።

ምክትል ሓላፊ ናይቲ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን “ሒሚቲ” ዝመርሖ ካልእ ጉጅለ ብወገኑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምብጻሕ ምስ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ተዘራሪቡ።

እዘን ሰለስተ ሃገራት ዓረብ፣ ነቲ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ካብ ህዝቡን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ጻውዒት ዝቐርበሉ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ብወግዒ ዝደገፋ’የን።

ኣንጻር እዚ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ተቓውሞኡ ዝቕጽል ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፣ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዓረብ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ጣልቃ ይኣትዋ ብምህላወን ይወቅስ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ክጽውዕ እንከሎ፣ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ነዚ ወትሃደራዊ ባይቶ ዘለወን ደገፍ ብወግዒ እኳ እንተዘይገለጻ፣ ንናይ ሱዳን ኩነታት በብውልቃዊ ረብሓታተን ይጥምትኦ ከምዘለዋ ይግለጽ።

ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ፣ ፈላሚ ዑደቱ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘካየደ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ድማ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን፣ ዝተወከል ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሱዳን ብምብጻሕ ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ሱዳን ተዘራሪቡ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0