ፕረዚደንት ገለ፣ ሳላ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ብምምልካት ዶባት ክዛዘም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ

Radio Erena: 27 May 2019

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ሳላ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ብምምልካት ዶባት ኣብ ናይ መወዳእታ ዕርቂ ክበጽሕ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ሻርቕ ኣል ኣውሳጥ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ’ዩ።

ኤርትራን ጅቡቲን ንምቅርራብ ብስዑዲ ዝተወስደ ናይ ዕርቂ ተበግሶ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ሃኒጹ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፣ እቲ ዕርቂ፣ ብምምልካት ዶባት ምሉእ ክኸውን ድሌት ከምዘለዎ ኣንፊቱ።

ጅቡቲ፣ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ናይ ዘይተነጸረ ዶብ ከምዘሎ ክትገልጽ እንከላ፣ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ምስ ጅቡቲ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ብናይ ግዳም ሓይልታት ዝተደፋፍአ’ዩ ክብሉ’ዩ ዝጠቕሶ ኔሩ።

ንግስነት ቀጠር ዝወሰደቶ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ንኣስታት 8 ዓመታት ዝኾነ ፋይዳ ከይተረኽቦ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ 2017 ክልትኤን ሃገራት ጸግዒ ስዑዲ ብምሓዘን፣ ቀጠር ነቲ መስርሕ ደው ከምዘበለቶ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብመንጎኝነት ስዑዲ ዓረብ፣ ርክብ ተጀሚሩ እኳ እንተሎ፣ ዝበጽሖ ደረጃ ግና ኣይተፈልጠን።

ኣብ ግንቦት 2008 ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ብዘካየድኦ ውግእ፣ ካብ ክልትኤን ሃገራት 10ታት ወትሃደራት ክሞቱ እንከለዉ፣ ካብ ወገን ኤርትራ 19 ከምዝተማረኹ’ውን ይፍለጥ።

ጅቡቲ ብወገና ብኤርትራ ዝተማረኹ ወትሃደራት ከምዝነበሩዋ ብምምልካት፣ ነቶም 4 ብመንጎኝነት ቀጠር ናብ ዓዶም ክትመልሶም እንከላ፣ ካልኦት ዝተረፉ ከምዘለዉ ክትወቅስ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ጅብቲ ተማሪኾም ዝነበሩ 19 ኤርትራውያን፣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ድሌት ስለዘይብሎም ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከብ ቀይሕ መስቀል ከምዝተረከቡ ይዝከር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0