ሶማልያ፣ ብኮሮና ቫይረስ ብከቢድ ንዝተሃስየት ኢጣልያ ንምሕጋዝ 20 ሓካይም ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 29 March 2020

ሶማልያ፣ ብኮረና ቫይረስ ብከቢድ ተሃስያ ንዘላ ኢጣልያ ንምሕጋዝ 20 ሓካይም ክትልእኽ ምዃና መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ንኣፈኛ ‘ቲ መንግስቲ፣ እስማዒል ሙክታር ብምጥቅስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘቕረብኦ ሓበሬታ፣ እቶም ናብ ኢጣልያ ክዋፈሩ ወለንተኛታት ዝኾኑ 20 ሓካይም ድሮ ኣብ ኤምባሲ ኢጣልያ ተመዝጊቦም ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

ብምሉኦም ኣባላት’ቲ ኣብ ሕክምና እታ ሃገር ልዑል ኣበክርቶ ዘለዎ፣ ሞቛድሾ ዝመደበሩ ሃገራዊ ዩኒቨርስቲ’ዮም።

ኩባ ኣቐዲማ ንተመሳሳሊ ሓገዝ 10ታት ሓካይም ናብ ኢጣልያ ልኢኻ’ያ።

ኣብ ኢጣልያ ህይወት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ቀዚፉ ንዘሎ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምግትእ ሃገራት ኤውሮጳ ተበግሶታት እኳ እንተወሰዳ፣ ብፍላይ ፈረንሳን ስጳኛን፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ስለዝበኣሰ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየን’የን ተጸሚደን ዝርከባ።

ኢጣልያ፣ ነቲ ሕማም ንምቑጽጻር ናይ ኣስታት 3 ሰሙን ውሸባ ኣብ ግብሪ ኣውዒላ እኳ እንተላ፣ መጠነ ሞታ መዓልታዊ ብኣማኢት’ዩ መጠነት መልከፍቲ ድማ ብኣሽሓት’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0