ሶማልያ፣ መስርሕ ምምራጽ ኮሚሽነራት ሰብኣዊ መሰላት ጀሚራ

ሶማልያ፣ መስርሕ ምምራጽ ኮሚሽነራት ሰብኣዊ መሰላት ጀሚራ

Radio Erena: 11 July 2017

somal

ሶማልያ፣ መስርሕ ምምራጽ ኮሚሽነራት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝጀመረት ኣፍሊጣ።

እቲ ብሰምበት 9 ሓምለ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሕብሮ፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሶማልያ ካብ መንግስታዊ ትካል’ታ ሃገር ናጻ ኮይኑ፣ መንግስቲ ንረብሓን መሰላትን ዜጋታቱ ክሕሉን ከኽብርን ዝጣበቕ ኣካል ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሶማልያ ብደርቅን ውግእ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ወገናትን ሽበራውያንን ዝተጠቕዐት ሃገር ደኣ ትኹን እምበር፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ ሃገር ንኽትከውን ምምስራት ናይዚ ሓድሽ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣገዳሲ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይገልጽ።

 እዚ ብምትሕብባር ሚኒስትሪታት ደቀንስትዮ፣ ፍትሕን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዝጅምር ዘሎ መስርሕ ምምራጽ ኮሚሽነራት ሰብኣዊ መሰላት፣ ንኩሉ ክሳተፍ ዝደሊ ሶማላዊ ክፉት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ መስርሕ ምርጫ ብናጻን ርትዓውን መንገዲ ምስ ተዛዘመ ዝምረጹ 9 ኮሚሽነራት፣ ካብ መንግስታዊ ምትእትታው ናጻ ኮይኖም ንህዝቦም ከገልግሉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም፣ ነቲ መስርሕ ከካይዱ ካብ ዝተረቑሑ ኣካላት ምሕጽንታ ይቐርብ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0