ፓርላማ ሕ.ኤ. ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓያሎ ውሳኔታት የሕሊፉ

ፓርላማ ሕ.ኤ. ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓያሎ ውሳኔታት የሕሊፉ

     Radio Erena: 10 July 2017

       eu pፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓያሎ ውሳኔታት የሕሊፉ።
       እቲ ፓርላማ ብሓሙስ ዕለት ዕለት 6 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ዝምድንኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምምሕያሽ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፣ ገና ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

      ኣብቲ ንኤርትራ ብዝምልከት ዝተኻየደ ዋዕላ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት፣ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ።
      ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኤርትራ ዝልገስ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘይቅበሎ
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ክልተ ሚእታዊት ደብ ከብል
ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ሃገሮም ምምላስ ደው ክብል
ብፍሉይ ልኡኽ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ምሉእ ደገፍ ከምዝህብ
መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታቱ ከኽብርን ደሞክራስያዊ ለውጥታት ከካይድ ምዃኑን ቃል ክኣቱ… ዝብሉን ካልእ ጠለባትን ብምቕራብ ፓርላማ ኤውሮጳ መግለጺኡ ኣውጺኡ።
          እቲ ፓርላማ ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ውልቀሰባት ብዘይብቑዕ ምኽንያት ንዘይተወሰነ ግዜ ከምዝእሰሩ፣ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከይተረፉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ መግረፍትን ስቓይን ከምዝዝውተር፣ ንገለ እሱራት ናይ ሕክምና መሰል ከምዝኽላእ፣ ዝብሉ ነጥብታት ድሕሪ ምዝርዛር፣ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ፣ ህዝቢ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ናብ ስደት የምርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ።
          እቲ ፓርላማ ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕነት ሰልፍታት ከፍቅድ፣ ሰብኣዊ መሰል ከኽብር፣ በርጌሳውያን ማህበራት ብናጽነት ክሰርሓ ከፍቅድ፣ ዝምድና ሕብረት ኤውሮጳን ኤርትራን ኣብ ትሕቲ ጽላል ስምምዕ ኮቶኖ ዝለዝካየድ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝኣተዎ ውዕል ከኽብር፣ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተለገሰ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ደኣምበር ኣብ ረብሕኡ ከየውዕሎ መረጋገጺ ክህብ፣ ዝብሉን ካልኦት ሓያሎ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0