ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ዶብ ኬንያ ብምስጋር ትሽዓተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ

ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ዶብ ኬንያ ብምስጋር ትሽዓተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 11 July 2017

kenya

ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ዶብ ኬንያ ብምስጋር ትሽዓተ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ዝሓለፈ ቀዳም 8 ሓምለ፣ ጂማ ኣብ ዝተባህለት ኬንያዊት ቁሸት ብምእታው ንትሽዓተ ሰባት ክሳዶም ብምስያፍ ከምዝቐተሎም ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ።

ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ መጥቃዕታት ቦምባ ብምክያድ ከቢድ ጉድኣት ከውርድ’ኳ እንተጸንሐ፣ ከምዚ ዓይነት ክሳድ ብምስያፍ ሰላማውያን ሰባት ክቐትል ግና ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

 

በዓል ስልጣን ፖሊስ ጀምስ ኦለ ሰሪያን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ ሶማልያ ብምስያፍ ሰብ ክቐትል ልሙድ ተግባሩ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኬንያ ግና ንፈለማ እዋኑ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ ዝርከብ ዶብ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ።

ኣልሸባብ፣ ኬንያ ኣብ 2011 ወተሃደራታ ናብ ሶማልያ ብምልኣኻ ቁጠዐ ከምዝፈጠረሉን ናይ ሽበራዊ ግብረ ምላሽ ክህበሉ ምዃኑን ምፍላጡ ይዝከር። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ጥራይ ተኸታታሊ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣብ ምምሕዳራት ላሙን ማንደራን፣ ልዕሊ 46 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ’ዩ።

ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ ኣብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን፣ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ኣብታ ሃገር እንዳሓየለ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ኣብ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0