ሶማልን ኬንያን፣ ብዋንነት ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ይሰሓሓባ

ሶማልን ኬንያን፣ ብዋንነት ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ይሰሓሓባ

Radio Erena: 19 February 2019

ሶማልን ኬንያን፣ ብዋንነት ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ይሰሓሓባ ተሰሓሒበን።

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ናብ ናይሮቢ ብምስሓብ፣ ንኣምባሳደር ሶማል ከኣ ብህጹጽ ናብ ሞቛድሾ ክኸይድ ከምዘገደዶ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዕላማኡ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ሶማል ዝተፈጸመ፣ “ሃንደበታውን ዘጣዕስን” ዝበሎ ስጉምታት ንምዝርራብ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ መንግስቲ ኬንያ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ብወገኑ ብዘይዝኾነ ምድላው፣ ንኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኬንያ ናብ ሞቛድሾ ክብገስ ምግዳዱ፣ “ዘጣዕስ ስጉምቲ፣” ክብል መሊስሉ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ሉኣላዊ ኣካል ኬንያ፣ ንኣህጉራውያን ትካላት ዕደናን ዳህሳስን ጋዝ ከምዝፈቐደ’ዩ መንግስቲ ኬንያ ዝኸስስ።

እንተኾነ መንግስቲ ሶማል ብሰንበት 17 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ዋንነት እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ክሳብ ዝንጸር፣ ኣህጉራውያን ትካላት ዕደና ናብቲ ቦታ ክእትዋ ከምዘይፈቐደ ኣነጺሩ።

ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብዋንነት ‘ቲ ኣስታት 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ዘለዎ ከባቢታት ገማግም ካብ ነዊሕ እዋን ክሰሓሓባ እኳ እንተጸንሓ፣ ኩበንያታት ዕደና ኣብቲ ከባቢ ዳህሳስ ከካይዳ ካብ ዝጀመራሉ ኣብ 2014 ግና እቲ ምስሕሓብ እናገደደ’ዩ መጺኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0