ኣብ ኤርትራ ንብረቶም ዝተሃገረ ኢትዮጵያውያን ክምለሰሎም ይሓቱ

ኣብ ኤርትራ ንብረቶም ዝተሃገረ ኢትዮጵያውያን ክምለሰሎም ይሓቱ

Radio Erena: 19 February 2019

ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንብረቶም ዝተሃገረ ኢትዮጵያውያን ክምለሰሎም ይሓቱ ኣለዉ።

ብፍላይ ወነንቲ ገዛን ትካላትን ዝነበሩ ኢትዮጵያን ምስ ምውላዕ እቲ ናይ 1998፣ ካብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ናብ ዓዶም ድሕሪ ምፍናዎም፣ ንብረቶም ከምዝተሃገረ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ርክብ፣ ሓያሎ ኢትዮጵያን ዝተሃገረ ገዛውቶምን ንብረቶምን ክምለሰሎም፣ ኣብ ሓዲ ሓሎ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጥርዓናት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።

ኣብ ከባቢ ማይጭሆት ዝነበረ ገዛውቲ ናይቶም ኢትዮጵያን’ውን ክምለሰሎም ከምዝጽኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ከምዝረኸቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣገንዚቦም።

ዝበዝሐ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተሃገረ መንበሪ ኣባይቲ፣ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ተወጊንሎም’ዩ ዝርከብ።

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብኢትዮጵያውያን ንዝውነን ገዛውቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ተራ ኤርትራውያን ክነብርዎ ዝጸንሑ ናይ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ’ውን፣ ነቶም ዜጋታት ብምክልባት ከምዝወረስዎ ተሰኒዱ ዝርከብ ሓቂ’ዩ።

 

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0