ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ምምልካት ዶብን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ክዝትያየን

ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ምምልካት ዶብን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ክዝትያየን

Radio Erena: 19 February 2019

ሰበ ስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ክዝትዩ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ኣብቲ ን23 ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰበ ስልጣን ክልትኤን ሃገራት፣ ብዘይካ’ዚ ንሓያሎ ዓመታት ዘሰሓሕብ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ኣል ፋሽጋ፣ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣጽዋርን’ውን ክመያየጡ’ዮም።

ኢትዮጵያ፣ ብዶብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ጸጥታዊ ስግኣት ይፈጥረላ ከምዘሎ’ያ ትገልጽ።

ሱዳን፣ ንዶባታ ክትቆጻጸር እንተዘይክኢላ፣ ምስታ ሃገር ዘሎ ዝምድና ክብተኽ ከምዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግላጹ’ውን ይዝከር።

ርክብ ክልቲኦም ወገናት ክካየድ ምዃኑ ዘረጋገጸ ኣማሓዳሪ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝሰሓሓብ ዘሎ ዞባ ሰናር ናይ ሱዳን፣ ዓብደልከሪም ሙሳ፣ ብዛዕባ’ቶም ኩነታት እቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን’ውን ኣካል ናይቲ ዘተ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ዕላማ እቲ ዘተ፣ ክኢላታት ክልትኤን ሃገራት ብምልዛብ፣ ንዘሰሓሕብ ጉዳይ ዶብ፣ ብናይ ሓባራ ናይ ምምልካት ኮሚተ ንምፍታሕ ምዃኑ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣቶ ሺፈራው ጃርሶ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ኣረዲኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0